ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 14 January 2019

ብኮሚሽነር ሙሳ ፋኪ መሃመት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀጠር ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ትማሊ 13 ጥሪ ናብ ቀጠር ዝኣተወ እቲ ኮሚሽነር፣ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ክዘራረብ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ቀጠር ብዝርዝር እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ እታ ሃገር፣ ኣብ ሊብያ፣ ሱዳን (ብፋላይ ዞባ ዳርፉር) ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝጸንሓ ጉዳያት ብዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።

 

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣባላት እቲ ሕብረት ዘይኮና ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶማልን ካልኦት ጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃን ጣልቃ ካብ ምእታው ክቁጠባ ብተደጋጋሚ ከጠንቕቕ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ሊብያ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ምግምማዕ ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት፣ ኢድ ቀጠር ከምዘለዎ ግብጺ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት እቲ ሕብረት ይወቕሳ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0