የመን፣ ‘ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝምወል ሓላፊ ጸጥታ ንምቕታል ዝዓለመ’ዩ’ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 16 March 2022

ኣብ የመን፣ ዞባ ኣብያን ኣብ እትርከብ ከተማ ዚንጂባር፣ ንኣዛዚ ጸጥታ ናይቲ ዞባ ዓጂቡ ይጓዓዝ ንዝነበረ ቃፍላይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

እቲ ብ15 መጋቢት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ነታጕ ብዝተጻወዳ መኪና ናብ ማእከል እቲ ቃፍላይ ብምእታው’ዩ ተፈጺሙ።

ቀንዲ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝነበረ፣ ሓላፊ ጸጥታን ኣዛዚ ሚሊሻን፣ ዓብደለጢፍ ስዒድ ቆሲሉ ካብ ሞት ከምልጥ እንከሎ፣ ኣርባዕተ ካልኦት ግና ተቐቲሎም።

ኣብ ደቡባዊ የመን ናይ ዝንቀሳቐስ ሚሊሻ ኣዛዚ ምዃኑ ዝተገልጸ ዓብደለጢፍ፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝምወል’ዩ ዝንገረሉ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ሓይልታት ሑቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0