ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ኣብዚ 40 ዓመታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ውድብ መግቢ ዓለም ኣተሓሳሲቡ

Radio Erena: 16 March 2022

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ኣብዚ 40 ዓመታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ውድብ መግቢ ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብዚ ዞባ ንሰለስተ ተኸታታሊ ወቕቲ ዝናብ ከምዘይነበረ ብምዝኽኻር፣ ልዕሊ 20ሚልዮናት ሰባት ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዖም ምህላዎም ኣገንዚቡ።

ብፍላይ ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ደርቂ ብዘስዓቦ ዓጸቦ ሰባትን ጥሪቶምን ይሞቱ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዉን ሰብኣውን ቅልውላዋት፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ተመሊሱ ከምዝርከብ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ዞባ ኵናት፣ ደርቂን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝፈጠሮ ጸቕጥን ተደማሚሩ፣ ኣብ ታሪኽ ዝበኣሰ ዓጸቦ ከይፍጠር ውድብ መግብን ሕርሻን ብወገኑ የጠንቅቕ።

ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት፣ ድሮ ብዓጸቦ ኣብ ዝጥቃዕ ዘሎ ከባቢታት ከምዝርከቡ ዘተሓሳሰበ ውድብ መግቢ ዓለም ድማ፣ ለገስቲ ሃገራት ኢደን ክዝርጋሓ ተማሕጺኑ።

እቲ ውድብ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ብደርቂ ንዝተሃስዩ ዜጋታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርዳእ ልዕሊ 320 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ቆላሕታ ማሕበረ ሰብ ዓለም ናብ ኵናት ዩክሬይን ዘቢሉ ምስ ምህላዉ፣ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይርሳዕ ዘስግእ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የተሓሳስቡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0