“ዝተተኮሰ ሮኬት ዓሊቡ፣ ነቲ ቆልዓ መዓናጥኡ’ዩ በሲዕዎ” ቤተሰብ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ግዳይ ኵናት ዝኾነት ስድራ

Radio Erena: 27 November 2020

ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ንዘለዎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ይገብር ከምዘሎ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ኣብ ዘጋጠመ ደብዳብ፣ ዛጊት ሓንቲ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብስንባደ ህይወታ ክሓልፍ እንከሎ፣ ሓደ ቆልዓ’ውን ብተወንጫፊ ሮኬት መዓንጣኡ ተሃሪሙ ከምዝሞተ፣ ዳኒኤል ዝተባህለ ቤተሰብ ንራድዮ ኤረና ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ መብዛሕቶም ቆልዑ ዝኾኑ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ንዝርዝር ናይቲ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ዝተኻየደ ሓጽር ቃለ መጠይቕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ናይ ርክባት ጸገም፣ ድምጺ ከምቲ ዝድለ ንጹር ብዘይምዃኑ ኣቐዲምና እቅሬታ ንሓትት።

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ተስፋሃንስ 3 years ago

    ንፋዓት እኹም ቀጽሊሉ

  • comment-avatar
    Seare mhretu 3 years ago

    አምበኣር ጹቡቅ ኣነ ክብል ደለ ዘለኩ ኣብ መዓስከር ሕጽጽ 9 ሞይቶም ኖቶም 17 ተሃሪሞም ኒኤርትራ ወሲዶሞም ንሕና ከኣ ብጥመትን ገለን ክሳብ ሞት አና በጽሕና ኔርና