ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፣ ሓድሽ ኣዛዚ ተሸይምሉ

Radio Erene: 04 August 2020

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሓድሽ ኣዛዚ ተሸይምሉ።

ሊዩተናትን ጀነራል ድዮመደ ንደገያ፣ ንኢትዮጵያ ሊዩተናትን ጀነራል ጽጋቡ ይልማ ብምትካእ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ንዘሎ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ጂቡቲን ብሩንድን ክመርሕ’ዩ።

እዚ ኣቐዲሙ ካብ 2007 ክሳብ 2012፣ ኣዛዚ ሓይልታት ብሩንዲ ኣብ ሶማል ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል፣ ዝዓበየ ብድሆኡ፣ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸጥታዊ ብድሆታት ምግታእ ክኸውን’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ወትሃደራት ከምዘለዎ ዝግለጽ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ካብ ዝዋፈር 14 ዓመቱ፣ ከምቲ ዝድለ ጸጥታ ሶማል ከውሕስ ይኹን ወትሃደራዊ ዕማሙ ናብ ሰራዊት ሶማል ከሰጋግር ከምዘይክኣለ ይውቀስ።

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0