ግብጺ፣ ኣብ ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትዳሎ ምህላዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 August 2020

ግብጺ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትዳሎ ከምዘላ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዲፕሎማስያዊ ርክባታ ከተሐይል ድሕሪ ምጽንሓ’ዩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ከምእትኽል ብሰፊሑ ዝግለጽ ዘሎ።

ግብጺ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓስር ንምኽፋት ትውጥን ዘላ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ቱርኪ ኣብ ሶማል ዘለዋ ህላወ ኮይኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለም ምዃኑ ተንተንቲ የረዳኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ሶማሊላንድ ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ቢሐ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብሚኒስተር ፋይናንስ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዱ።

ኢትዮጵያ፣ ግብጺ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከተቑሞ እትደሊ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር ብዕምቆት ትከታተሎ ከምዘላ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ብዘይካ’ዚ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን እትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ወትሃደራዊ ርክባት፣ ምስ ታይዋን’ውን ዝምድና ምኽፋት ጀሚራ ትርከብ።

ንታይዋን ከም ሉኣላዊት ኣካላ እትርእያ ቻይና፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ልኢኻቶ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ድሕሪ ምብትታን ሶማል ኣብ 1991 ከም ናጻ ሃገር እኳ እንተኣወጀት፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ኣይረኸበተን።

ይኹን’ምበር፣ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም በብውልቀን ምስዛ ርእሰ ምምሕዳር ዲፕሎማስያዊ ይኹን ወትሃደራዊ ስምምዓት ከካይዳ ጸኒሐን’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ መራሕቲ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንምቅርራብ ዝዓለመ ዘተ ኣብ ጂቡቲ ከምዝተኻየደ ኣይርሳዕን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0