ሱዳን፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገሹ ዜጋታት፣ መውጽኢ ቪዛ ከምዘየድልዮም ኣፍሊጣ

Radio Erene: 04 August 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገሹ ዜጋታት፣ መውጽኢ ቪዛ ከምዘየድልዮም ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ፣ ዜጋታት ሱዳን፣ መውጽኢ ቪዛ ከይሓተቱ፣ ፓስፖርቶም ጥራይ ሒዞም ናብ መዓርፎ ነፈርቲን ወደባትን ብምዃድ፣ ናብ ዝደለይዎ ሃገራት ክገሹ ከምዝኽእሉ ኣዊጁ።

ጉዳዮ ብቤት ፍርዲ ዝተታሕዘ ዜጋ እንተዘይኮይኑ፣ ዝኾነ ሱዳናዊ ብዘይገደብ ክገይሽ መሰሉ ምዃኑ’ዩ እቲ መግለጺ ዝጠቅስ።

ዜጋታት ሱዳን፣ መውጽኢ ቪዛ ንምሕታት ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ካልእን ዝገብርዎ ዝነበሩ ኮለልን ክፍሊትን ተሪፉሎም ኣሎ፣ ክብል ሓላፊ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢምግሬሽንን ሜጀር ጀነራል ዑመር ዓብደልመጂድ ገሊጹ።

ስርዓት በሺር ኣብ 1994 ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት፣ ዜጋታት ሱዳን፣ ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገሮም ክወጹ ምስ ዝደልዩ፣ ናብ ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ፓስፖርትን ብምኻድ መውጽኢ ቪዛ ክሓቱ’ዮም ክግደዱ ጸኒሖም።

ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ እትርከብ ሱዳን፣ ሓያሎ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምምኽያሽ ከምዘላ ትግለጽ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዜጋታተን ብዘይ መውጽኢ ቪዛ ናብ ዝደለይዎ ሃገራት ክገሹ’የን ዝፈቕዳ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ መሰል ምንቅስቓስ ዜጋታት ብምድራት፣ ንዜጋታተን መውጽኢ ቪዛ ንክሓቱ ገልታዕታ ካብ ዘብላ ሃገራት ኤርትራ ምስ ቀዳሞት’ያ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0