ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

Radio Erena: 17 July 2020

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

ነበርቲ ዳርፉር ዘለዎም ናይ ጸጥታ ኩነታት ብምቅዋም ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካዪዱ ጸኒሖም እዮም። ሰበስልጣን ካርቱም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ዳርፉር ኣብ ዝኣተዉሉ እዩ፤ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተኻዪዱ።

ኣብቲ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ፤ ብውሑዱ 9 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፤ ልዕሊ 20 ከኣ ቆሲሎም።

እቶም ዕጡቓት፤ ኣባይቲን ዕዳጋታትን ከቃጽሉ እንከለዉ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ጥሪት ከኣ ከምዝዘመቱወን፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ዘበነ ስልጣን ኣልበሽር ልዕሊ 300 ሽሕ ተወላዶ ዳርፉር ከምዝተቐትሉ እዩ ዝግለጽ። ካብቲ ህልቂት ሃዲሞም ኣብ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝተዓቖቡ እዩ እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዝፍጸም ዘሎ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0