ግብጺ፤ ንምዕቋር ማይ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ሓቲታ

Radio Erena: 17 July 2020

ግብጺ፤ ንምዕቋር ማይ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ሓቲታ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብ16 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፤ዲጋ ተሃድሶ ክመልእ ከምዘይጅምር ክሕብር እኳ እንተጸንሐ፤ ናይ ሳተላይት ስእልታት ዘርእዮ ዘሎ ሓቅታት ግና ዝተፈልየ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ክህበሉ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሚኒስተር ሃብቲ ማይን ጸዓትን’ታ ሃገር ንመንግስታዊያን ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እቲ ዲጋ ማይ ክመልእ ምጅማሩ እዩ ሓቢሩ።

እንተኾነ ብድሕሪ’ዚ ናይ መንግስቲ ግብጺ ወግዓዊ ጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ፤ እቲ ዲጋ ክመልእ ምጅማሩ ብመደብ ዝተገብረ ዘይኮነ፤ ክራማት ናይ’ዚ ዓመት ሓያል ዝናብ ሒዙ ብምምጽኡ ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ፍጻሜ እዩ ኢሉ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ፤ ግብጺን ሱዳንን ን10 ተኸታታሊ መዓልታት ዘካየዶኦ ዘተ ብዘይ ፍረ እዩ ተዛዚሙ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0