ወኪል ኤርትራ፣ ኣብ ምምራቕ ሓወልቲ ንጉስ ሃይላሴ ተሳቲፉ

ወኪል ኤርትራ፣ ኣብ ምምራቕ ሓወልቲ ንጉስ ሃይላሴ ተሳቲፉ

Radio Erena: 13 February 2019

ብኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝምራሕ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምምራቕ ናይቲ ብሰንበት 10 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቖመ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ተሳቲፉ።

ሓወልቲ ናይቲ ህብዝን ዓድታትን ኤርትራ ዘጽነተ፣ መላኺ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ቀጽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወግዒ ኣብ ዝቖመሉ፣ ንኤርትራ ብምውካል፣ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፣ ሃብቶም ዘርኣይ ከምኡ ድማ ቢንያም በርሀ ዝተባህሉ ቀዳሞት ጸሓፍትን ከምዝተሳተፉ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ንምቛም ሓወልቲ ናይቲ ንፈረደርሽን ብምፍራስ ንኤርትራ ብሓይሊ ዝጎበጠን፣ ንዝተላዕለ ተቓውሞ ንምጉዕጻጽ ድማ ዓድታትን ህዝብን ዘጽነተ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ብወግዒ ክቃወም ዝግብኦ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ጽምብል ምምራቕ፣ ወከልቱ ምስታፉም፣ ንባህሪ ናይቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመራሕ ዘሎ መንግስቲ ዘጉልሕ’ዩ ክብሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣመልኪቶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ስልትን ስትራቴጂን ደኣ’ምበር፣ መሰረታዊ ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራን ዕላማ ዘካየዶ ቃልሲን ዝግድሶ ከምዘይኮነ ብዝያዳ ዘነጽረልና ኣጋጣሚ’ዩ ክብሉ’ውን ደምዲሞም።

===========================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0