ኢትዮጵያ፣ 3 መሳጊድን 7 ኣብያተ ክርስትያንን ተቓጺለን

ኢትዮጵያ፣ 3 መሳጊድን 7 ኣብያተ ክርስትያንን ተቓጺለን

Radio Erena: 13 February 2019

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ደቡብን ሰለስተ መሳጊድን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያንን ከምዝተቓጸላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

ምስ እምነት ተተሓሒዙ ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭታት፣ ነታ ብናይ ብሄር ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ናብ ዝበኣሰ ውድቀት ከየምርሓ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ጎንደር ብዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት፣ 10ታት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣስታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ከምዝተፈናቐለ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ናይ ለውጢ መድረኽ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብኹሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ዝነቱግ ዘሎ ግጭታት ዛጊት ክቖጻጸሮ ኣይከኣለን።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0