ምስ ተቓውሞ ኣኽርያን ድሒሩ ዝሰዓበ ኩነታትን ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓጂ መሓመድ ኣብራር ተፈቲሖም

ምስ ተቓውሞ ኣኽርያን ድሒሩ ዝሰዓበ ኩነታትን ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓጂ መሓመድ ኣብራር ተፈቲሖም

Radio Erena: 13 February 2019

ምስቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ኣኽርያ ዝተኻየደ ተቓውሞን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምእሳር ወለዲን ተማህሮን ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓጂ መሓመድ ኣብራር ተፈቲሖም።

ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከቡ ሓጂ መሓመድ ኣብራር፣ ድሕሪ ኣብ ኣኽርያ ዝተኻየደ ተቓውሞን፣ ሓያሎ ወለዲ፣ መማህራንን ተማሃሮን ድሕሪ ምእሳሮም፣ ኣብ መስጊድ ኣል ኹላፋ ኣልራሺዲን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ስርዓት ህግደፍ ንዝወሰዶ ቆልዑን ኣዴታትን ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብትሪ ዝነቐፉ ኣቦ’ዮም።

መንግስቲ ነዞም ኣቦ ዝፈትሖም ዘሎ፣ ብተመሳሳሊ ጉዳይ ተኣሲሮም ዝነበሩ፣ ሓደ ካብ ኣባላት ኮሚተ ወልዲ ዲያእ ኣልስላሚያ፣ ኣቦና ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ ብ30 ጥሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድሕሪ ምዕራፎም’ዩ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ወዲ 93 ዓመት ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር’ውን፣ ኣብ መጋቢት 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ይዝከር።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ተቓውሞ ከይገጥሞ ዝሰግአ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓይልታት ጸጥታኡ ብምውፋር ኣማኢት መንእሰያት ከምዝኣሰረ’ውን ኣይርሳዕን።

ምስዚ ናይ ኣኽርያ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ወለዲ፣ መማህራንን ተማህሮን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0