ኬንያ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኾኑ ስደተኛታት ዘሰጋግሩ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ተታሒዞም

Radio Erena: Thursday, 12 October 2023

ኣብ ኬንያ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝኾኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት ናይ ፖሊሲ መኪና ብፖሊስ ከምዝተታሕዘት መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኣብታ መኪና ዝነበሩ 13 ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም’ዮም ኣብ ዞባ ቱርካና ናይ ኬንያ ተታሒዞም።

ጉዕዞኦም ናብ ከተማ ናይ ናይሮቢ ምንባሩ ዝኣመተ ፖሊስ፣ ነቶም ዘሰጋግርዎም ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ፣ ዕጥቖም ብምሕዳግ፣ ናብ ማእሰርቲ ከምዝወሰዶም ኣፍሊጡ።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናይ ዝሰግሩ ዘለዉ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዝሓበረ ፖሊስ ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዝሃዘ ኣመልኪቱ።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0