ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ

Radio Erena: 26 April 2019

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ንኹለን ጨናፍር ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝወሉ ጳጳሳት፣ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህዝብና ብውግእን ብኻልእን ዝመጸ ጸገማትን ሃለዋት ሃገርና ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ’ዩ ኔሩ ድሕሪ ምባል፣ ዋሕዚ ስድራቤታት ናብ ስደት ንምፍዋሱ ዝተገብረ ዝኾነ መደብ ወይ ኣገባብ ስለዘይተዘርግሐ፣ ንመጻኢ ህልውና ሃገር ከይተረፈ ብዘሰከፍ መልክዑ ዋሕዚ ሰባት ይቕጽል ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዕርቀ- ሰላም ምስ ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕርቀ-ሰላም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና’ውን ከምዘድሊ ዘስመርሉ እቶም ጳጳሳት፣ “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ጭርሖ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ብግብሪ ክርአ ከምዝግባ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ኣስማቶምን ክታቶሞን ምስፋር ነቲ መልእኽቲ ዘርግሑ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣባ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፣ ካብ መንበረ ኣስመራ፣ ኣባ ቶማስ ዖስማን ካብ መንበረ ባረንቱ፣ ኣባ ኪዳነ የዕብዮ ካብ መንበረ ከረን ከምኡ ድማ
ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ካብ መንበረ ሰገነይቲ’ዮም።

ጽሟቛ ትሕዝቶ ናይቲ በዞም ጳጳሳት ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ንምንባብ ኣብዚ ( ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዕርቀ- ሰላም )ጠውቑ።

ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዕርቀ- ሰላም

ጽሟቅ ትሕዝቶ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar

    ኣብ ክንዲ ንዕርቀ-ሰላም ይጽውዕ
    ብጌጋ ይውጽዕ ተጻሒፉ ስለዘሎ ብኽብረትኩም ኣርምዎ
    ባኣፍልጦ ዝተገብረ ኣይመስለኒን
    ክብረት ይሃበለይ

  • comment-avatar
    Tsegay michael 5 years ago

    Nay bhaki 100% haki Lecmat abotatey amlak ab muluh zemenkum edu yenbrelkum yhalktum ahzizu ybarkum

  • comment-avatar

    Besmab weweld wemenfes kudus ahadu amlak amen egzabiher selamu yewrdelna ezi abotat na zblwo zelewu haseb kunuen tkkln kkewn zelewon eu emo eritreawian kulna babar nsabo

  • comment-avatar
    ግርማይ 5 years ago

    ክቡራት፡አቦታት፡እዚ ፡ሐሳብ፡ጽቡቅ፡እንዲዩ፡ግን፡ምስቶም፡ብዘይ፡ፍላጥ፡ክጋገዩ፡ዝተርአዩ፡ጽቡቅ።ምስቶም፡ሃገር፡ህዝባን፡ክትጠፍእ፡ምስ፡ጸላኢ፡ወጊኖም፡ደም፡ዘንብዓዎ፡ገና፡ሕጂውን፡ባዓልየትን፡አውራጅያን፡ሃይማኖት፡መርዚ፡ዝነዝሑ፡ዘለው፡እዚስ፡መፍትሒ፡አይኮነን።