ካብ ሲናይ ብሓይሊ ተታሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ጀሚሮም

ካብ ሲናይ ብሓይሊ ተታሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ጀሚሮም

Radio Erena: 30 June, 2014

Sah

Update: – ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ካብ ሲናይ ብሓይሊ ኣብ መካይን እናጸዓኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ዝወሰድዎም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት፣ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ስደተኛታት፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ፈንጢሶም ድሕሪ ምውጻእ፣ ‘በቲ ዝኣተናሉ ክንመለስ ኢና’ ብምባል ናብ ሲናይ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን፣ ሰራዊት እስራኤል ብሓይሊ እናተሰከሙን ዘንብዕ ጋዝን መደንዘዚ ነገራትን እናተጠቕሙ ብመካይን ጌሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኖም የእትውዎም ኣለዉ።

ሳህሮኒም ካብ ሖሎት ዝጸንዐ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፣ እቶም ስደተኛታት እቲ ኩነታት ክንዲ ዝጸንከረ ይጸንክር ተቓውምኦም ከምዘየቛርጹ ብምግላጽ፣ ኣብቲ ሓድሽ ተዳጕኖምሉ ዘለዉ ቤት ማእሰርቲ’ውን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቶም ኤርትራ’ውን ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽቲ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርለቡ ኤርትራውያን ወገናቶም ኣብ ጎኖም ብምዃን ኣብ ኤምባሲታት እስራኤል ሰለማዊ ሰልፍታት ክውድቡ ተማሕጺኖም።

 ======================================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0