መዓልቲ ሓዘን ግዳያት ላምፔዱሳ ዘይኣወጀ ህግደፍ፣ ንመበል 20 ዓመት ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዘኪርዎ

መዓልቲ ሓዘን ግዳያት ላምፔዱሳ ዘይኣወጀ ህግደፍ፣ ንመበል 20 ዓመት ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዘኪርዎ

Radio Erena: 30 June, 2014

Commerates Rwanda Eri

ኣብ ላምፔዱሳ ናይ ዝሃለቑ ኣስታት 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ወግዓዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ዘይኣወጀ ህግደፍ፣ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ዓሌታዊ ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ኣብ ኣስመራ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዘኪርዎ ውዒሉ።

እቲ ብህግደፍን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተወዲቡ ብ27 ሰነ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምዝካር ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ፣ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ምክያድን ኣግራብ ምትካእልን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከጠቓልል እንከሎ ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን’ውን ተረኺቦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንግዳያት እቶም መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለም ዝሓዘነሎም ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝሃለቑ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ዝኾነ ናይ ሓዘን መዓልቲ ይኩን ዝኽሪ ከይገበረ ጎስዩዎ ክነሱ፣ 20 ዓመት ብዝገበረ ህልቂት ጓኖት መሪር ሓዘን ከምዝተሰምዖ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘኪርዎ ምውዓሉ፣ ኣብ ውሽቲ ዓድን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ይነቕፍዎ ኣለዉ።

ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ንቡር ቀብሪ ከይረኸበ ኣብ ኢጣልያ- ሲሲልያ ኣብ ዝርከብ ጋህሲ ተቐሚጡ እንከሎ፣ ህግደፍ፣ ኣብ ኢጣልያ ብስም መበል 40 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ፣ ንህዝቢ ኣብ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ንምጥሓሉ ምሽብሻብ ምክያዱ ጥራይ ከይኣክል፣ 20 ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ’ውን ብስክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዘኪርዎ ምውዓሉ፣ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ዘለዎ ንዕቐት ጥራይ’ዩ ዘርኢ ክብሉ’ውን እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ብምረት ገሊጾም።

መንግስቲ ኢጣልያ ብምኽንያት ግዳያት ባሕሪ ላሜዱሳ ዝኮኑ ኤርትራውያን ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጅ እንከሎ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ድማ ብምኽንያት እዚ ካብ ምልኪ ንምህዳም ኣብ ባሕሪ ዝተፈጸመ ዘሰንብድ ሓደጋ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ብምንብልባልን ሽምዓ ብምውላዕን ዘኪሮሞ’ዮም።

ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኣብ ዝተራእየ መርድእ ኤርትራውያን ሓቢሩ ሓዘኑ ክገልጽ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ህግደፍ ግና ዝኾነ ናይ ሓዘን መግለጺ’ውን ኣይሃበን።

በንጻር’ዚ ድማ ሓለፍቲ መንግስትን ህግደፍን፣ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ ዝወዓለ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ፣ መደረታት ከስምዑን ንዝኽሪ ግዳያት ድማ ሽምዓ ክውልዑን ኣምስዮም።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0