ናትናኤል ብርሃነ፣ ቀዳም ኣብ ዝጅምር ዙር ፈረንሳ ኣይሳተፈን’ዩ

ናትናኤል ብርሃነ፣ ቀዳም ኣብ ዝጅምር ዙር ፈረንሳ ኣይሳተፈን’ዩ

Radio Erena: 01 July, 2014

Natu

ብብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ንኽሳተፍ ልዑል ትጽቢት ተገይርሉ ዝጸንሐ፡ ዝቀልጠፈ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኤርትራ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዓመት ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ከምዘይሳተፍ ተፈሊጡ።

ፈረንሳዊት ክለቡ ዩሮፕካር ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ’ዚ ጽባሕ ቀዳም 5 ሓምለ 2014 ዝጅመር ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ዝሳተፉ 9 ተቐዳደምታ ኣስማቶም ዝዘርገሐት ክትከውን ከላ፡ ስም ናትናኤል ድማ፡ ኣብዚ ዝወጸ ዝርዝር የለን።

 

ኣብ’ዚ ውድድር፡ ፔረ ሮላንድ፡ ቶማስ ቮክለር፡ ብርያን ኮክዋርድ፡ ክሪል ጋውቴር፡ ፔሪግ ኩሜኒውር፡ ኬቨን ራዛ፡ ዮሃን ጀነ፡ ዩኪያ ኣራሺሮ፡ ኣሌክሳንደር ፒቾት ነታ ጋንታ ወኪሎም ክሳተፉ እዮም። 

ናትናኤል ብርሃነ ኣብዚ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ኣይሳተፍ ደኣ’ምበር ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዓመት ውድድር “ቮልታ ስጳኛ” ክወዳደር እዩ።

ውድድር ቮልታ ስጳኛ ልክዕ ከም ቱር ዲ ፍራንስን ጂሮ ዲ ኢታልያን ናይ ግራንድ ቱር ደረጃ ዘለዎ፡ ሓደ ካብ’ቶም 3 ዓበይቲ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም እዩ።

ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ቮልታ ስጳኛ እንተደኣ ተወዳዲሩ፡ ናይ መጀመርያ ውድድሩ ኣብ ግራንድ ቱር ኮይኑ’ዩ ክምዝገበሉ።

ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ’ውን ቦኽሪ ናይ ግራንድ ቱር ሱታፌኣ ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ዝጅምር፡ ቮልታ ስጳኛ እያ ከተረጋግጽ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዝሓለፈ ዓመት ንናይ ቅድም ክለቡ ግሪን ኤጅ ወኪሉ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ከምዝተወዳደረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ማልያ ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ለቢሱ ኣብ’ዚ ውድድር ክኣቱ ትጽቢት ይግበረሉ።

ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፡ ቅድሚ 3 ወርሒ፡ ንኤርትራዊ ተቐዳዳማያ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ’ዚ ዓቢ ውድድር ከተሰልፎ ምዃና ኣንፊታ ከምዝነበረት ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ተቐዳዳማይ ግን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ንክለቡ ዝምልከት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብወገኑ ግን፡ ደረጃ ብደረጃ ክዓቢ ስለዝደሊ፡ ኣብ’ቲ ውድድር እንተዘይተሳተፈ ከምዝመረጽ ምግላጹ ይዝከር።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0