ከረን፣ ገለ ክፋል ናይቲ 125 ዓመት ዝገበረ ጥንታዊ መስጊድ ብምፍራሱ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ከረን፣ ገለ ክፋል ናይቲ 125 ዓመት ዝገበረ ጥንታዊ መስጊድ ብምፍራሱ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከተማ ከረን፣ ተደኵኑ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ከረን ኣል ዓቲቕ፣ ሓደ ክፋሉ፣ “ጉባ ኣል መስጂድ”፣ ብሮቡዕ 10 ሚያዝያ ብምፍራሱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ትሽዓተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ታሪኻዊ መስጊድ ከረን፣ ኣብ ምሕዳስ ዝነበረ ኮይኑ፣ እቲ ፈሪሱ ዘሎ ክፋሉ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ዛዝዩ ክወድቕ ተቓሪቡ ምንባሩ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ መስጊድ’ውን ፈሪሱ ሰብ ከይልክም፣ እቲ መስጊድን ቀጽሩን ንዘይተወሰነ እዋን ተዓጽዩ ኣሎ።

ኣብ 1894 ዝተሃንጸ መስጊድ፣ ብሰንኪ ስእነት ሰሜንቶ ንሓያሎ ዓመታት ዘድሊ ጽገናታት ከይተገብረሉ ዝጸንሐ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሳሚ 5 years ago

    ቅኑዕ ሓበሬታ like always! ኣነ ወዲ ከረን እየ። እዚ ኩሉ ክበሃል ዝቀነየ ኩሉ ሓሶት ክሰምዖ ቀንየ መንግስቲ ኣፍሪስዋ ገለ ዝበሃል ኩሉ ሓሶት’ዩ ምስፈረሰት ባዕልና ከድና ርኢናዮ ኢና። በቲ ጽፉፍ ዜናኩም ከም ኩሉ ግዜ ምስጋናይ የቅርበልኩም thanks so much!