“ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት 250 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ” CPJ

Radio Erena: 12 December 2019
ክሳብ 1 ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብደረጃ ዓለም 25 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚቴ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ11 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳሞት ዘለዋ ሃገራት፣ ቻይና፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ቬትናምን ኢራንን ምዃነን ኣስሚርሉ።

ቀዳመይቲ ተሰሪዓ ኣብ ዘላ ቻይና፣ 48 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ክርከቡ እንከለዉ፣ ቱርኪ ብወገና ልዕሊ 100 ናይ ብሕቲ መርበባት ሓበሬታ ድሕሪ ምዕጻዋ፣ 47 ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ብምእሳር ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ጽገናዊ ለውጥታት ምትእትታው ጀሚረ ኣለኹ ኣብ እትብል ዘላ ስዑዲ ዓረብ፣ 26 ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ይርከቡ።

ግብጺ’ውን ካብ ናይ ስዑዱ ዓረብ ዘይውሕድ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ቀዪዳ ከምዘላ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ጠቒሱ።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ከምዘለው ኣምልኪቱ።

ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት፣ ብምእሳር ጋዜጠኛታትን ሕማቕ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ምስ ቀዳማት ኣብ እትስራዕ ኤርትራ፣ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣስታት 15 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከምዘለው ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Kesete Mwkonen 4 years ago

    ዓጀውጀው ይበሃል እዚ ::ሰብ ብዘይምኽንያት ኣይሰርን ዩ ::ኣብታ ንነብሳ “ቻምፕዮን ናይ መሰል-ደቂ ኣዳም ” ዕላ ባዕላ ዘተመቐት ዓባይ ዓዲ’ውን ተኾነ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቑፀሩ ፀለምቲ ኣብ abyate-ማእሰርቲ መዋእሎም ይበልዩ ኣለዉ::ብኡ ኣቢሎም ዝሓቑ ድማ “ኣዲኦም ትቑፀሮም”::ቤተ-ሰብ, ኣዝማድ ቆልዑ ዘይብሎም መዓስ ኮይኖም ንሶም ሲ! ኣፉ ከፊቱ ብጩቕ ክብል ዝደፍር ግን የለን-ቲ መለክዒ ድርብ ስለዝኾነ! “ሰብኣዊ መሰላት” ንጥቕምኻ ጌርካ ሃገራትን ሕብረሰባትን አሕዛብን ምኑቓት ፍቱን መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ ኣብ ኤርትራ ግን ዘበት!ህዝቢ ኤርትራ ንቑሕን ትኩርን ሳላዝኾነ::::