ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ውሸባ፣ንኣሽቱ ናይ ውልቂ ትካላት፣ ንሰራሕተኛታተን ምሉእ ደሞዝ ክኸፍላ ዓቕሚ ከምዘይብለን የማርራ

Radio Erena: 10 April 2020

ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተኣወጀ ናይ ውሸባ እዋን፣ ንኣሽቱ ናይ ውልቂ ትካላት፣ ንሰራሕተኛታተን ምሉእ ደሞዝ ክኸፍላ ዓቕሚ ከምዘይብለን የማርራ ምህላወን ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ከም ካፈታት፣ ኣብያተ መግብን መስተን ዝኣመሰላ ትካላት፣ ኣታዊ ኣብ ዘይረኽባሉ ናይ ውሸባ እዋን፣ ኣብ ትሕቲአን ንዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ምሉእ ደሞዞም ክኸፍላ ዘገድድ ኣዋጅ መንግስቲ ብምቅዋም ካብ ፈለምኡ ከዕዘምዝማ ምጽንሐን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ከም ፈረንሳ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ብሰንኪ ኣዋጅ ውሸባ ንዝተዓጽዋ ንኣሽቱ ትካላት፣ ሰራሕተኛታትን ምሉእ ደሞዞም ካብ መንግስቲ ክኽፈሉን፣ እተን ትካላት ድማ ከፊላዊ ሕድገት ግብሪ መንግስቲ ክግበረለን፣ ኣብ ርእሲኡ፣ ኣብ ዝተዓጽዋሉ እዋን፣ ናይ ክራይ ገዛ፣ ኤለኢክትሪክን ማይን ናጻ ክኾናን መከሓሓሲ’ውን ክኸፍለንን ዝብል’ዩ።

ብኣንጻር እዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ መምርሑ ቁጽሪ 6 ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢሉ ብ30 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ከም ባራት፣ ኣብያተ መግቢን ካፌታትን ዝኣመሰላ ትካላት፣ ን14 መዓልቲ ክዕጸዋን፣ ሰራሕተኛታተን ድማ በዘን ትካላት እናተኸፍሉ ክጸንሑን ዘመልክት’ዩ።

እቲ ኣዋጅ ፣ ኣብ መንጎ’ተን ተዓጽየን ዝርከባ ንኣሽቱ ትካላትን ሰራሕተኛታተን ምፍሕፋሕ ዝፈጥር’ዩ።

ብፍላይ ገሊኤን ትካላት፣ ኣይኮነን ዶ ኣብ ዝተዓጽዋሉ ናይ ውሸባ እዋን፣ ኣብቲ ካልእ ግዜ’ውን ሰራሕተኛታትን ክሳብ ምኽፋል ክጽገማ ምጽንሐን እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዜጋታት ኣዋጃት ከተግብሩ ምግዳድ ደኣ’ምበር፣ ነባሪ ፍታሕ ንምንዳይ ዝሕግዝን ውሕስነት ዘለዎ ኣማራጺታትን ዝኽተል ዘቤታዊ ፖሊሲ ከምዘይብሉ ይፍለጥ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    ርእይቶ ዘይ ኮነ ሕቶ እዩ ዘለኒ።
    መዓስ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ስርዓት ህ,ግ,ደ,ፍ, ሓራ ዝወጺእ?
    ሃገርና እኮ ናይ ውልቀ ሰባት ኮይና፡
    እዚ ክሮናባይረስ ነዞም ኣረግቶት ሸፋቱ ኣብ ሊዕሊ ህዝብና ኮይኖም ዝጻወቱ ዘለዉ ሓለፍቲ ህግደፍ እንተ ዚኣልየልና ክንደይ ጽቡቅ ነይሩ።

  • comment-avatar
    youth 4 years ago

    r u Eritrean, u saying this words… please can u support the Eritrean doctors?