ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ጾምን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት ተቓውሞ ከይለዓዓል ብምስጋእ፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ሓይልታት ጸጥታ ይዋፈሩ

Radio Erena: 25 April 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ጾምን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት፣፣ ተቓውሞ ህዝቢ ከይለዓዓል ዝሰግአ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፣ ወትሃደራዊ ልብሲ ዝወደዩ ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ይንቐሳቐሱ ከምዘለዉ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ሲቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታንን ሃገራዊ ድሕነት’ውን ምንቕስቓስ ህዝቢ ኣብ ምክትታል ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ፣ ብፍላይ ኣብቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝእከበሉ ኣብያተ ክርስትያናት ከም እንዳ ገብርኤል ናይ ኣኽርያን እንዳ ማርያምን፣ ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ፣ ህዝቢ’ውን ምውፋሮም ፈሊጡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይዛረበሉ ምህላዉን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ህዝቢ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝህንጠዮ ዘሎ ናይ ስርዓት ለውጢ፣ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያ ኤርትራን ፓትርያርክ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ዝፈጸሞ በደልን ግፍዕታትን ዘቃልዕ ናይ ቪድዮን ድምጺን ሓበሬታ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከባ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ድሕሪ ምቅልሑ ብዝፈጠረሉ ስምዒታት ተደፋፊኡ፣ ነቲ ናይ ዓርቢ ስቕለት፣ ናይ ጾምን ስግደትን ዕለት፣ ናብ ተቓውሞ ከይቕይሮ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ሰጊኡ ዘሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 6
  • comment-avatar
    Aregawi Gebrhiwet 5 years ago

    እዚ ስርዓት ካብ ህዝቢ ካብ ዝሰግእ ዓመታት አሊፉ እካ ተኮነ ናይ ሕጂ ግን ህዝብና ዓቅሉ ተወድእወ አሎ ምክኒያቱ እዛ ዶቭ ምስ ተከፈተት ብዙሕ ከስቡ እዩ ካብቲ መክሰብ እዚ ይመስል ኒዓመታት ወያነ ጸላእትና እያ እዳበለ ሰብ የዳናግር ብምጽናሕ ህዝብና ድማ ብአካል ከመይ ዓይነት ወያነ ምካኑ ጽቡቅ ገይሩ ፈሊጡን አሎ ብዘይካ እንቓዕ ብሰላም መጻእካ ካሊእ ዝብል ህዝቢ ትግራይ ሕማቅ ዝአሊም ሰብ የለን ስለዚ ህግደፍ ናብ ቅልዓት ወጽኡ አሎ ህዝቢ ኤርትራ አብ ውሽጢን ወጻእን ዘሎ ብሓደ ዲምጺ ፎኦ ይብል አሎ ዓወት ነቲ ለዋህ ህዝቢ ኤርትራ ግድን እዩ እቲ ራህዋ ክመጽእ።

  • comment-avatar

    ክትሐልመ መረት አሪብኩም
    አብ ኤርትራ ከምኡ የለን

  • comment-avatar
    Habte 5 years ago

    The religious leaders should seize this golden opportunity to regain their tainted image, and mobilize their congregations with vengeance to flood the streets of their respective cities. The rest is history.

  • comment-avatar
    ማይኮ 5 years ago

    ትደልይዎ እሞ ይዝንግዓኩም።
    ህግደፍ ዘይኮነ ተቓውሞ ከይልዓል ፈሪሑ፡ ንስኹም ኢኹም ኣብታ ሃገር ህውከት ክልዓል ትሓልሙን ትጉስጉሱን ኔርኩም ተስፋ ቆሪጽኩም።
    ዘይትምሃሩ ኮይንኩም እምበር፡ ከምዚ ከማኹም ጠላማት ፈተውቲ ከብዶም ክህልዉ ንቡር እንድዩ፡ ፍኒሕ እንተ ኢሎም ከኣ ኣብኣ ይረኽብዋ። ኣቤለው በዓል G-15? ኣቤሎ ወዲ ዓሊ (ፎርቶ)? ኣቤለዉ ኣቦይ ሓጂ ሙሳ?
    ሎሚ፡ ንስኹም ከማን ንዖኦም ኣይትዝክርዎምን። ንሓደ ወርሒ እንተበዝሐ ንሓደ ወቕቲ ለለ ትብሉ፡ ድሓር ካልእ ሰብ ክስሕና ከተራስኑ ትጅምሩ።
    እምበር ንስኹም ደኣ፡ ኣይኮነን ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝድብል ዘሎ ሻዕብያ ኣይኮነን ንዓና ነዞም ኣብ ደገ ንርከብ ኤርትራውያን ቅጭጭ ኣይትብሉናን።

  • comment-avatar

    Ab Eritrea wetehadern hzbn keme qrrb alewem??? Abahlay hzbi nwetahaderat nab tsegua zemtsealu adla alodo. 
    Bmqtsal n Radio Erena beti geshaskum hzbi kgelt alewo anda bellun tgusguswo zelekum Gosgas aye yemesgn. Awet ab srahkum dma ymne Thanks 🙏🙏🙏🙏

  • comment-avatar

    ሰላምታይ ብምቅዳም ኣብ ሂወትኩም ዓመትን ኣሳልጦን ይምነየልኩም ብምቅጻል እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ኣብ ኤርተራ ማዓልታዊ ሓድሽ ዜና ንህዝቢ ምዝርጋሕ ከተፍልጥዎን ክትምህርዎን ይምሕጸነኩም