ኤርትራ፣ ኣብ መናድቕ፣ ናይ ተቓውሞ ጽሑፋት እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ

Radio Erena: 07 June 2019

ምንቅስቓስ “ይኣክል” ካብ ዝተበገሰሉ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ መናድቅ፣ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖታትን ክጸሓፍ እንከሎ፣ ተመሳሳሊ መልኣኽቲ ዝሃዘለ ወረቓቕቲ’ውን በብእዋኑ ክብተን ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ድማ “ሳዋ ኣይንወርድን”! “ዙር ፈንቅል” ዝብልን ካልእን ኣብ ኣብ መናድቅ ኣስመራ ተጻሒፉ ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ተዘርጊሑ ይርከብ።

ምምሕዳር ተሰነይ፣ ኣቐዲሙ፣ ኣብ መናድቅ ቤቱ ጽሑፍ ዝተረኽቦ ወናኒ በዓል ቤት ይኹን ትካል ክሳብ 5 ሽሕ ናቕፋ ክቕጻቕ ምዃኑ ንነብርቲ እታ ከተማ ብወግዒ ከምዘጠንቀቕ ይዝከር።

ኤርትራውያን ተማሃሮ፣ ነዚ፣ ኣብ ኤርትራ ን28 ዓመታት ዝገዝአ ምልኪ፣ ምእሳር ዜጋታት፣ ስደትን ከልበትበትን ከብቅዕ ዝጽውዕ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ብሓያሎ ስምዒትን ንቅሓትን ይከታተልዎ ብምህላዎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ኣብ መንእሰያት ብፍላይ ጽልዋ ኣሕዲሩ ዘሎ ምንቅስቓስ፣ ናብ ተቓውሞን ናዕቢን ከይዓርገ ንምዕባጡ፣ ሓይልታት ጸጥታኡ ካብን ናብን ከዋፍር’ዩ ዝርአ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    if you evaluate the hand writing it is only one person hand writing. dont inflate events. probably he is the one who takes the pic.

  • comment-avatar
    Fithawi 5 years ago

    yes, enough is enough. It is about time to stop the crazy man. He is not alone who is kill every Eritrean, it includes all higher military