ኤርትራ፣ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 45 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ፈቲሓ

Radio Erena: 14 September 2021

ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 45 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተፈቲሖም።

እቶም ካብ 8 ወርሒ ክሳብ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝጸንሑ ዝተጠቕሱ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ፣ ብሰንበት 12 መስከረም’ዮም፣ ብወደብ ሖደይዳ፣ ገማግም ኣል ኩባ ናብ ዓዶም ኣትዮም።

ብ29 ነሓሰ፣ 118 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝተቐበለ መንግስቲ ሑቲ፣ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምሽራኽ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ተጻብኦታት ትቕጽል ኣላ ክብል ይኸስስ።

ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝኣተዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ክተሓዙን ክፍትሑን እኳ እንተጸንሑ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይወሃብን’ዩ።

ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ዋንነት ክሊ ማይን ደሴታት ዙቑር ሓኒሽን፣ ሓደ ካብቲ ኣብ ታሕሳስ 2015፣ ንመንግስታት ኤርትራን የመንን ናብ ኵናት ዘእተወ ፍጻሜ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

===================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0