ሶማል፣ ንምርጫ ምድላዋት ኣብ ዝጀመረሉ ፣ ብምክትል ዋና ጸሓፊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ናብታ ሃገር በጺሑ

Radio Erena: 14 September 2021

ብምክትል ዋና ጸሓፊት፣ ኣሚና መሓመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፣ ብ12 መስከረም፣ ኣብ ሶማል ምብጻሕ ኣካይዱ።

ሶማል፣ ምስ ምርጫን ካልእ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮበልን ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን ብዝፈተጥረ ምስሕሓብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ’ያ ትርከብ።

ኣብ 10 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ስልጣኑ ብዘይዝኾነ ጸገም ከረክብ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ብምስጢር ተላኢኾም ዝብሃል ዘሎ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶን ህዝብን ንዝቐረበ ሕቶታት መልሲ ከይሃበሉ ስልጣኑ እንተሓዲጉ፣ ብሕጊ ክሕተት ከምዝኽእል ይግለጽ።

ምብጻሕ ምክትል ዋና ጸሓፊት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሶማል’ውን፣ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ምክፍፋልን ግጭታትን ከምርሓ ንዝኽእል ምትፍናን ክልቲኦም ወገናት ንምቅርራብን ንሰለማዊ ምርጫ ንምድላውን ዘንቀደ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ጸጥታ መላእ ሶማል ከውሕስ ዝኽእል፣ ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ዘይብላ ሶማል፣ ዝዓበየ ብድሆኣ ኣልሸባብ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት መንግስቲ ዝርአ ፖለቲካዊ ምክፍፋል’ውን ካብኡ ዝንእስ ከምዘይኮነ ተንተንቲ የረድኡ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0