ኤርትራ፣ ብምጉዕጻጽ ናጽነት ፕረስ ንነዊሕ ዓመታት ዝሓዘቶ ሕማቕ ስም ዓቒባ

Radio Erena: 06 May 2020

ኤርትራ፣ ብምጉዕጻጽ ናጻ ፕረስ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሓዘቶ ሕማቕ ስም ዓቒባ።

እዛ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ስርዓተ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር፣ ናጻ ፕረስ ብምጉዕጻጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ልዕሊ 16 ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ንኣስታት 20 ዓመታት ደሃዮም ብምጥፋእ’ውን ካልእ ጸሊም ታሪኽ ዝሰነደት ምዃና፣ ብምኽንያት 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ከም ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታትን ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ናጽ ፕረስ፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ኣብ ዝዘርግሕኦ ዝተፈላለየ ሓተታ፣ ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ምዝርባን ዜጋታተን ብሓይሊ ብረት ዝዓበሳ ምዃነን’ዩ ዘረድእ።

ኤርትራ፣ ንሰሜን ኮርያን ቱርኪመንስታንን ጥራይ በሊጻ፣ ብናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 178 ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና ንረብሓ’ቲ መንግስቲ ጥራይ ዘገልግላን ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሬድዮን ቴሌቪዥንን፣ ህዝቢ ሓሳባቱ ብናጻ ዝገልጸሉ ዝኾነ ይኹን ናጻ ማዕከን ዜና ከምዘየለ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ንዝበዝሓ ህዝቢ ዓለምና፣ ሓሳባቱ ብናጻ ክገልጽ ርሒብ ዕድል ዝኸፈተ ከም ፌይስቡክን ቲዊተርን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብኣንጻሩ ሒደት እሙናት ኣገልገልቲ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት’ዮም ብሓለፋ ዝጥቀምሉ።

ኣብ ኤርትራ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት 1.1% ወይ ድማ ኣስታት 57 ሽሕ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ኣብ ከተማታት ዝርከባ ኢንተርነት ካፌታት’ውን፣ እባ ርእሲ’ቲ ዘለወን ዝሕቱል ዋሕዚ ኢንተርነት፣ ዓማዊለን ብጽኑዕ ክቆጻጸራ ከምዝግደዳ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኤርትራ፣ ንዜጋታታ ናይ ሞባይል ዳታ ኣገልግሎት ኢንትርነት ካብ ዘይፈቐዳ ሒደት ሃገራት ዓለምና’ያ።

===============