ኤርትራ፣ ምውፋር ሰራዊት ናብ ትግራይ ኣብ ትቕጽለሉ ዘላ እዋን፣ ህዝቢ ደም ክልግስ ጽዑቕ ጎስጓስ ይካይድ ኣሎ

Radio Erena: 04 December 2020

ኤርትራ፣ ኣብ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰሜን፣ ድጋፍ ሂባን ካብ መሬታ ተበጊሱ መጥቃዕቲ ከካይድ ሓጊዛን ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰራዊታ’ውን ኣብቲ ኵናት ይሳተፍ ከምዘሎ ተደጋግሚ ዝግለጽ ዘሎ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ተሳትፎ ኤርትራን፣ ብመንገዲ ማዕከናት ዜንኡ ንህዝቢ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ሓሪምዎ እኳ እንተሎ፣ ሰራዊት ናብ ዶባት ይጓርት ምህላዉ ግና ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ መንግስቲ፣ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ተፋንዮም ናብርኦም ክመርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት የዕጥቅን፣ ከባቢኦም ክሕሉዉን’ውን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ዩ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተወግኡ ኣማኢት ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ዘዕቖበ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ህዝቢ ደም ክልግስ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ዝልገሰ ደም፣ ብመጥባሕቲ ንዝሓርሳ ኣዴታትን ካልእ ህጹጽ ሓደጋታትን ከምዝውዕል’ዩ ዝጉስጎሰሉ ዘሎ።

እንተኾነ፣ እቲ ዝልገስ ደም፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝቆስሉ ዘለዉ ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዕል ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምጭታት ይጠቕሱ።

ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ክእለዩ ዝጸንሑ ኣማኢት ውጉኣት ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባንኪ ደም ተኸዚኑ ዝጸንሐ ከምዝተዋህቦም’ዩ ተመልኪቱ።

ዛጊት ኣብ ሓያሎ ሚኒስትሪታትን ክፍልታት ምክልኻልን ዝተገብረ ጎስጓሳት ኣማኢት ሰባት ደም ለጊሶም ኣለዉ።

ካልእ ኣካል ሕብረተሰብ’ውን ደም ምልጋስ ክቕጽሎ እቲ ጎስጓስ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።

ስእሊ፣- ፌስቡክ ኤምባሲ ኣመሪካ

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ልግሲ ደም ንእከለ ተባሂሉ ኣይኮነን ዝልገስ። ብሓደጋ ይኹን ብሕማም ደም ንዝደሊ ደም ሂብካ ሂወት ሰብ ምድሓን ሕልናዊ ተግባር እዩ።
    ስለዚ፡ ግደፍ ክዕቆብ ንዝመጸ ወትሃደር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክውግኣካ ዝመጸ ጸላኢ’ውን ደም ለጊስካ ምድሓን ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ሰራሕ ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ከምኡ ምግባራ የመስግናን የኹርዓን እምበር፡ ንምንታይ ደም ሂብኩም ሰብ ኣድሒንኩም ኢሉ ዝኸስስ የሎን። እንተሎ ድማ ሳኣን ኣፍልጦ ወይ ዓሻ ጥራይ’ዩ።

  • comment-avatar
    EriWedi 3 years ago

    እቲ ዘዛርብ ዘሎ ኣብ ትግራይ ንዝሞተ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጋሻ ባርካ ብዓሶ ወይ መኪና ሓደጋ ተስዊኡ ተባሂሉ ክንገር ኢዩ። ንሓሙሻይ ዙር ኣገልግሎት ኣብ ፖርት ሱዳን ተሰዊኦም ስድርኦም ብኽምዚ ኢዮም ተረዲኦም። ነዚ ኢዩ ደም ኤርትራውያን ደመ ከልቢ ተባሂሉ ዘሕዝነና ዘሎ።

    • comment-avatar

      ከምዚ ከማኻ እዩ ከልቢ። እዞም ትብሎም ዘለኻ ጀጋኑ ንሰራዊት ቢን ላደንን ቱራብን ዝደምሰሱ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ኣብ ኤርትራ። ቦታ ከይረክብ ዝገበሩ፡ ንዘልኣለም። ብሓበንን ጅግንነትን ዝዝከሩ እዮም። ንስኻን ከምዚ ከማኻን ታሪኽ ዘይብልኩም ዑሱባት ኢኹም

  • comment-avatar

    ሬድዮ ሓሰና፡ ካን ኣመል ጌርክምዎ ምሕሳው ከምቶም ጎይቶትኩም ወያነ፡ ደም ምልጋስ ሕጂ ዘይኮነ ብቀጻሊ ንዓመታት ዝስርሓሉ ዘሎ ቅዱስ መደብ እዩ። በጃኹም ሕፈሩ፡ ይኣኽለኩም ንህዝቢ ምትላልል። ሓሰውቲ ሕሰውቲ