ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለትን ርእሰ ቅትለትን እናገነነ ምምጽኡ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 19 December 2019

ኤርትራውያን ኣብ ስደት፣ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሓድሕድ ምቕትታልን ርቕሰ ቅትለትን እናገነነ ምምጽኡ፣ ንማሕበረ ሰብ ኤርትራ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ለንደን ዝነብር ኤርትራዊ፣ ንበዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ምቕታል ንሱ’ውን ኣብ መንገዲ ባቡር ብምእታው ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ብቀረባ ዝፈልጥዎም ወገናት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ቀታሊ፣ ነታ ካብ ሱዳን ካብ እትመጽእ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ዝገበረት፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት እትርከብ በዓልቲ ቤቱ ዝቐተለሉ ምኽንያት ብፖሊስ ምጽራይ ይካየደሉ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ዘጋርድያን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጥራይ ኣርባዕተ ኤርትራውያን መዛኑ፣ ብገዛእ ርእሶም ህይወቶም ኣሕሊፎም።

እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጥም ቅትለትን ርእሰ ቅትለትን ክውስኽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ድማ፣ ብሰንኪ ምረት ስደትን ዘይርጉእ ናብራን ከምኡ ድማ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ዘሎ መሰናኽላት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ትዕዝብታቶም ይገልጹ።

ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓቑፍን ማሕበራዊ ሓገዛትን ምኽርን ዝልግስን ሓያል ማሕበረኮም ዘይምህላዉ’ውን፣ ምረት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ይጋደድ ከምዘሎ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Weldetensea Bogos 4 years ago

    ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልካዮ ሓደ ምክንያት ኮይኑ ካልአ ኣብ መንጎ ሰብሓዳር ዝርኤ ሽግራት ግን መብዛሓኡ ብሰንኪ አምነት ምጉዳል ዝስዕብ ሽግር አዩ፣ ብፍላይ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን።