ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ኢማራት ዓረብ ንፈጣን ሓይልታት ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃባ ነቒፉ

Radio Erena: Wednesday, 29 November 2023

ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ተሓጋጋዚ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ያሰር ኣልዓታ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (ኢማራት ዓረብ) ንፈጣን ሓይልታት ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃባ ብትሪ ነቒፉ።

ኢማራት ዓረብ ንፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ናውትን ትህብ ከም ዘላ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ዝገለጸ ያሰር ኣልዓታ፣ ክስታት ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ይኹን ፖለቲካውያንን ሲቪላውያንን ጉጅለታት ሱዳን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብደረጃ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ዘለዋ ዎል ስትሪት ጆርናል ብ10 ነሓሰ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኢማራት፣ ኣብቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝተወልዐ ኵናት ጣልቓ ብምእታው፣ ንፈጣን ሓይልታት ተዕጥቕ ምህላዋ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪባ ኔራ።

ኣብቲ እዋን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቲ ጸብጻብ ሓቕነት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ እታ ሃገር ኣብ ኵናት ሱዳን ንእትሕግዞ ወገን ከምዘይብላ ኣረዲኡ ኔሩ።

ኣልዓታ፣ ካብ ስለያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኢሉ ብዝገለጾ መሰረት፣ ኢማራት ዓረብ ብመዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ናይ ኡጋንዳ ኣቢላ ናብ ምልሻ ጃንጃዊድ ወተሃደራዊ ቀረብ ከተጓዓዕዝ ምጽንሓ ገሊጹ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ንፈጣን ሓይልታት ይድግፋ ምህላወን ክወቅስ እኳ እንተጸንሐ፣ ስም እተን ሃገራት ካብ ምርቛሕ ግና ተቖጢቡ`ዩ ጸኒሑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0