Updated: ኣብ ግጥማት ሴካፋ 2019 ብሩር ዝተሸለመት ሃ/ጋ ኤርትራ፣ ሸውዓተ ተጻወታ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም

Radio Erena: 22 December 2019

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ 2019፣ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ፣ ብሩር ማዳልያ ዘንጠልጠለት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሸውዓተ ተጻወታ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፣ ኣብ ዘካየደቶ ግጥማት ታሪኻዊ ዓወት ክትጎነጸፍ እኳ እንተኸኣለት፣ ከም ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፣ መወዳእትኡ፣ ሸውዓተ ኣባላታ ኣጕዲላ’ያ ናብ ሃገራ ተፋንያ።

እቶም ኣብ ኡጋንዳ ተሪፎም ዘለዉ ተጻወቲ: ሮቤል ኪዳነ (ዒተይ): ኣቤል ዑቕባይ (ኪሎ): ኢዮብ ግርማይ: ኢሳይያስ ኣብርሃም (ጻጸ): ኢስማዒል ጆሃርን: ዮሴፍ መብራህቱን ፊልሞን ሰመረን’ዮም።

ኣቤል ዑቕባይ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ብሉጻት ኤርትራውያን ተጻወቲ ግጥማት ሴካፋ 2019’ዩ።

ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ 2019 ንኬንያ ስዒራ ምስ ኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ናብ ዋንጫ ምብጻሓ፣ ምስቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጠማ ህድማ ተጻወትን ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዞባዊ ግጥማት ምግላላን ንዝበኡሓት ኣፍቐርቲ ስፖርት ዘሐጎሰ ታሪኻዊ ውጽኢት’ዩ።

እንተኾነ፣ ሕጂ’ውን እታ ጋንታ ብሉጻት ተጻወቲ ብሰንኪ ስደት ካብ ምስኣን ኣይተናገፈትን።

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ’ውን ብተመሳሳሊ ሓሙሽተ ተጻወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ይዝከር።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ሳሕቲ ኣብ እትሳተፈሉ ዞባዊ ግጥማት፣ ተዓዊታ ዋንጫ ዓቲራ ክትምለስ ካብ ዘሎ ትጽቢት ንላዕሊ፣ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ ዝዓበየ ሻቕሎት ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ምዃኑ ምስቲ ዕእውዲ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ሰለሞን 4 years ago

    Just i read your post. Most time it real so continue; at the same time aware your people to strugle eplf inside Eritrea.

  • comment-avatar
    Teawet 4 years ago

    Zeyreriun zeytsemun ygberkum