ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን፣ ናይ 20 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: 18 August 2022

ኣብ ሓለዋ ዶባት ሱዳንን ሊብያን ዝተዋፈረ ልፍንታዊ ሓይሊ ክልቲኤን ሃገራት፣ ናይ 20 ስደተኛታት ሬሳ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ክልተ መካይን ዝተጻዒኑ ስደተኛታት፣ ኣብቲ ንሱዳንን ሊብያን ዘዳውብ ሰሓራ፣ ብ12 ነሓሰ ተዛሕዚሖም ከምዝረኸበ ብምምልካት፣ እቶም 20 ሞይቶም፣ ሸሞንተ ድማ ትልኽ ክብሉ ከምዝጸንሕዎ ሓቢሩ።

ዜግነት ናይቶም ብሰንኪ ድኻም፣ ጽምኢን ጥሜት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተገልጸ ስደተኛታት ኣይተነጸረን።

እቶም ድሒኖም ኣብ ሕክምና ዝእለዩ ዘለዉ ግና ዜጋታት ሱዳን ምዃኖም፣ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፣ ንኣዛዚ ናይቲ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ፣ ኮለነል ዓሊ ሰይድ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ንሱዳንን ሊብያን ዘዋስን ክፋል ሰሓራ፣ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ብብዝሒ ዝሳግምሉ፣ ንስደተኛታት ሓደገኛ ተባሂሉ ካብ ዝጥቐስ ከባቢታት ዓለም’ዩ።

ኣብ ሰሓራ፣ ብድኻም፣ ጽምኢን ጥሜትን ተሰኒፎም ህይወቶም ናይ ዝሓለፈን፣ ስድራቤታቶም ድማ ደሃይ ዘይረኸቡን ስደተኛታት ብዝሒ ብኣሽሓት ከምዝበጽሕ ጸብጻብ ትካላት ስደተኛታት የመልክቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Berhe 2 years ago

    Sad