ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ገሊጾም

Radio Erena: Wednesday, 11 October 2023

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ምስ ዕጡቓት ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ይገልጹ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ሞት ይኹን መቑሰልቲ የለን ዝበሉ እቶም ወገናት፣ ኩሉ ኤርትራዊ እቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓበሬታታት ተኸቲሉ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ክገብር ይምዕዱ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝሃበኦ ሓበሬታ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይኹን ኤለክትሪክ ን72 ሰዓታት ክቋረጽ ስለ ዝኽእል፣ ካልእ ኣማራጺ መራኸቢታት ክናደ ከምኡ ውን ንግዚኡ ዝኸውን ሃለኽቲ ነጋራት ምቕራብ ኣድላዪ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብቲ ብኤርትራውያን ንዝተጎድኡ ወገናት እስራኤል፣ ቀረብ ኣብ ምብጽጻሕ ዝግበር ሓገዛት ውን ኩሉ ብጥንቃቐ ክግበር ይመኽሩ።

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0