ኣብ ኣስመራ ክሽየጥ ዝጸንሐ ዕሹግ ማይ ተኸልኪሉ

Radio Erena: 16 June 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክሽየጥ ዝጸንሐ ዕሹግ ማይ፣ ደው ከምዘበሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እተን ዕሹግ ማይ መስሪሐን ከካፋፍላ ዝጸንሓ ትካላት ምህርተን ደው ከብላ ትእዛዝ እኳ እንተተዋህበን፣ ዝቐረበለን ወግዓዊ ምኽንያት ግን የለን።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ሕጽረት ማይ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፣ ወነንቲ’ዘን ትካላት ምስ ገለ ሰበስልጣን ተሰማሚዖም ብፍሉይ መስመር ማይ ብሓለፋ ክወሃቦም ስለዝጸንሐ መንግስቲ ምጽራይ ክሳብ ዝገብረሉ’ዩ ዝብል ወረ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ከምዘሎ’ዮም ምንጭታትና ዘመልክቱ።

እንተኾነ ብሕጽረት ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ድሮ ተጠቂዐን ዝጸንሓ ከተማታት ኤርትራ እዚ ብልምዲ ማይ ሳሓ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀረብ ዝስተ ማይ ብምእጋዱ፣ ተወሳኺ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ንጠለብ ኣገልግሎት ማይን ኤለክትሪክን ህዝቢ ከዕግብ ኩሉ ግዜ ዝጽገም እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገለ እዋናት ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ እውን ከም መሳርሒ ፖለቲካ ከምዝጥቀመሉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ሃይ ራዲዮ ኤረና ሰላም ነዓኹም የሕዋት ከመይ ትኾኑ ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ይምነ ናሆም የ ካብ ግብጺ መደባትኩም ንከታተሎ አና ቢኒ ዮኒ ኤማ ወይኒች ሕጂ ክብሎ ዝደሊ ከኣ ብዛዕባ ስብሓት ኤፍሬም ኹነታት ኣብ ከመይ ኣሎ ማለት ካብዚ ብዙሕ ዘረባታት መኸተምታ ተረኸበ , ከሙ ውን ኣብ ግብጺ ብዙሕ ሽግራት ይወርደና ኣሎ ብ ግብጻውያንን ብ መንግስቲ ግብጽን መሰል የብልናን ተሃሪምና ዳ ፖሊስ ኬድና ሰማዒ የብልናን ሕጊ የለን በቃ ብዙሓት ኤርትራውያን ይህረሙን ኣዋልድና ውን ይዕመጻ ሰማዒ ሲኢንና ካልእ ቀንዲ ጸገም ኮይንና ዘሎ ከኣ UN ትጽቢትና ማህሚኑ ፕሮሰስና ን ድሕሪት ይጉተት ኣሎ ኣብዚ ዘሎ መንእሰይ ናይ ሓሽሽ ዝኾነ ብዙሕ ኣሎ ብሰንኪ ጭንቀትን ገለን ካብ UN ውን ዝኾነ ሓገዝ የብልናን ብዘይካ ትሕቲ ዕድመ እዚ ዓዲ ብዙሕ ሰብ ዩ ሒዙ ዘሎ ኣደ ቆልዑን ስንኩላን ካልእን ብሰንኪ ኩነታት ሱዕድያ ውን ኣብዚ ብዙሕ ሰብ ይውሕዝ ኣሎ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ሰንፈላል ናብራ ግብጺ ኣይውዳእን ዩ ኣብ ርእሲ ሃሩርን ቁርና ከቢድ ዩ መነባብሮ ገለ ቆላሕታ ጌርክኡም ብ ዓቕምኹም ንዓለም ኣስምዑልና በጃኹም ኣብ ግብጺ ብ ውሑድ 16 ስደተኛ ኣሎ