ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ይዳሎ

Radio Erena: 16 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ዲፕሎማሲያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 17 ሓምለ 2018ብወግዒ ካብ ዝተኸፍተሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ጥራይ’ዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ኣብ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ፣ ምምላእ ናይ ጣዕሳ ወረቓቕቲ፣ ምዕዳል ወረቓቕት መንነት፣ ፓስፖርታትንን ካልእ ንሲቪላዊ ጉዳያት ዘገልግሉ ወረቓቕትን ንምጅማር ኣብ ምድላው ይርከብ።

ነዚ ዕማም እዚ ንምስልሳል፣ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ካልእ ኣካላት መንግስቲን ዝተላእኩ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሰባት ድሮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ።

ካብዞም ብውክልና ዲፕሎማሰኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት፣ ኣቐዲሞም ኣብ ስልያን ካልእ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ተልእኾታትን ክነጥፉ ዝጸንሑ ከምዝርከብዎም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

ብወገን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝተጀመረ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት የለን።

ኣብ ጉዳይ ምምላስ ዝተሃገረ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን፣ ከምኡ ድማ ካልእ ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት፣ ላዕልን ታሕትን ክብል ጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ፖስፖርት ከውጽእ እደሊ ኣለኹ