ኤርትራ፣ ዝተዓጽዋ ትካላት ጥዕና፣ ዓመታዊ ንኣስታት200 ሽሕ ሰባት ናጻ ኣገልግሎት ይህባ ኔረን

Radio Erena: 16 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ ዝዓጸወን፣ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝእለያ ትካላት ጥዕና፣ ዓመታዊ ንኣስታት200 ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት ይህባ ምንባረን ተሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬታ cath.ch፣ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸሞንተ ትካላት ጥዕና ክዓጹ እንከሎ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ን21 ትካላት ከምዝዓጸወ ኣረጋጊጹ።

እዘን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ክመሓደራ ዝጸንሓ 29 ትካላት ጥዕና፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ከይተረፈ፣ ብናጻ ኣገልግሎታት ሕክምና ክህባ ዝጸንሓ’የን።

እዘን ትካላት ኣብ ዓመት ንኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግልት ክህባ ምጽንሐን ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዘለወን ብቕዓትን ብሉጽ ኣገልግሎትን’ውን ምስጋና ዝረኸባ ምዃነን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዘን ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ክህባ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና ዝዓጸወሉ ምኽንያት፣ ጽልዋ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ህዝቢ ንምድኻም ዝዓለመ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን’ውን ብዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታው፣ እታ ቤት ክርስትያን ኣብ ክልተ ተገሚዓ፣ ፓትርያርክ ዝርከብዎም ሓያሎ ኣቦታት፣ ፈለስቲ፣ ካህናት፣ ዲያቖናትን መማህራንን ብዘይፍርዲ ኣሲርዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣- ኣብ ዛግር ዝተዓጽወት ማእከል ጥዕና ቅድስቲ ሃና

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0