ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 130 ናይ ወፍሪ ትካላት ዓንዩ

Radio Erena: 11 October 2016

Faco

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ 2 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዳግም ኣብ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ህዝቢ ኦርሞ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሰሙን ጥራይ 130 ናይ ወፍሪ ትካላት ከምዝዓነወ ዘ ሪፖረትር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

መብዛሕትኡ እቲ ዓንዩ ዘሎ ናይ ወፍሪ ትካላት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብኩሉ ዙርያ 100 ኪሎሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢታት ኮይኑ፣ ዛጊት ከም ፋብሪካ ዓለባ፣ በዓል መዚ ኤልክትሪክ፣ ቴሌኮሚኒከሽን፣ ፋብሪካ ፕላስቲክ፣ መፍረ ዕንባባታት ከምዘጠቓልል ተገሊጹ።

ኣብ ሰበታን ቱሉ ቦሎን ጥራይ ኣብ ውሽጢ 4 መዓልታት 11 ፋብሪካታትን ኣርባዕተ ሕርሻታት ዕንባባን ከምዝዓነወ ዝሓበረ ዘ ሪፖርተር፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 62 ናይ ጽዕነትን ህዝቢ ዘመላልሳን መካይን ከምዝተሃሞኻ ኣረጋጊጹ።

 ሓያሎ ካብዚ ናይ ወፍሪ ትካላት ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝውነን ምንባሩ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ትካላት ብውሕዱ ንኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረ’ዩ ኔሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፋር ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዝነበረ ናይ እስራኤል ኩባንያ፣ ንጥፈታቱ ብምቁራጽ ካብ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጽእ ከምዝወሰነ ዘ ሪፖርተር ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ህዝባዊ ናዕብን ህይወት ኣማኢት ሰባት ከጥፍእ እንከሎ፣ 10ታት ሚሎዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ከኣ ዓንዩ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታት ንምብዳህ፣ ካብ ቀዳም 8 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ምእዋጁ ይፍለጥ።
==============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0