ኣብ ትግራይ ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሃደሙ ወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 10 November 2020

ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሃደሙ ወትሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቲ ዜና፣ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ 30 ዝኾኑ ወትሃደራት መንግስቲ ምስ ብረቶም፣ ዶብ ዓሊቒ ሰጊሮም፣ ናብ ሰሜናዊ ገዳርፍ ኣትዮም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ካብቲ ኵናት ዝሃደማ ሓያሎ ስድራቤታት፣ ናብ ዞባ ፋሸጋ ናይ ሱዳን ይሰግራ ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኵናት ኣብ ዝጀመረሉ፣ መንግስቲ ሱዳን ዶባቱ ከምዝዓጸወ እኳ እንተሓበረ፣ ሰራዊትን ህዝብን ዶባት ብምጥሓስ ይሃድሙ ምህላዎም’ዩ ተመልኪቱ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብምዃን፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝኸፈትዎ ውግእ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ይወርድ ከምዘሎ ሓካይም ብዘይዶብ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትይጵያ ብወገኑ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሑመራ ከምዝተቖጻጸረን 10ታት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከምዝማረኸን ጠቒሱ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ዘምርሕ ሓደገኛ ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ንዘተ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ሱዳን ዝርከቦም ሓያሎ መንግስታት፣ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ቶዅሲ ብምቁራጽ፣ ናብ ዘተ ሰለም ክቐርቡ ንዘቕረብኦ ዘለዋ ጻውዒት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ መልሲ ኣይሃበሉን።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ገበነኛታት ናይ ምህዳንን ኣብ ትግራይ ሓድሽ መንግስቲ ናይ ምትካልን ዝተጀመረ ወፍሪ ክሳብ ዝውዳእን፣ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዝኸፈቶ ኵናት ስለዝፈሸሎ፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓገዝ ብምሕታት ኣብ ሑመራ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ የካይድን ኣብ ከባቢታት ባድመ ድማ ዅናት ተኸፊቱ ምህላዉን መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊጹ።

ይኹንምበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ ነጺግዎ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይዩ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ዘእቱ የብልናን።” ክብል ገሊጹ

ስእሊ፣- ካብ ሱዳን ትሪቡን

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Yes for peace no for war!