ኣብ ሰንዓፈን ከባቢኣን፣ ትማሊን ሎሚን ደብዳብ ከቢድ ብረት ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 16 November 2020

ካብ ትማሊ 15 ሕዳር ኣትሒዙ ፣ ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ዳግም ኣብ ዝጀመረ ጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረታት ሎሚ ንግሆ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ናይ ትማሊ፣ ዝበዝሐ እቲ ደብዳብ፣
ኣብ ከተማ ሰንዓፈ፣ ጾቶራ ንዝተባህለ ገዛውቲ’ዩ ብዝያዳ ኣጥቂዑ።

ህዝቢ እቲ ከባቢታት፣ ካብቲ ዝውንጨፍ ዘሎ ከቢድ ብረታት ነብሱ ንምድሓን፣ ኣብ ጎቦ መጠራ ኣብ ዝርከብ በዓቲታት’ዩ ዝሕባእ ዘሎ።

ኣብቲ ናይቲ ማሊ ደብዳብ፣ ሓያሎ ዓድታት ስመዣና’ውን ቦምባታት ዓሊቡወን’ዩ።

እቲ ደብዳብ ሎሚ ሰኑይ፣ 16 ሕዳር ወጋሕታ’ውን፣ ድብድብ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ቀጺሉ ኣሎ።

መብዛሕቱ እቲ ካብ ትግራይ ዝውንጨፍ ዘሎ ከበድቲ ብረታት፣ ኣብ ጎቦታትን ሰብ ይኹን ንብረት ኣብ ዘይብሉ ከባቢታትን ይዓልብ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዛጊት ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይተሓበረን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angesom 3 years ago

    Ezgabiher kabzi yenagfena bsenki eseyas zwerdena zelo debdab nezi sebay mhret yewrdelu nab memhr grma entezkeyd xbuk geru menazezo neyru