ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ምቅይያር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን የካይዳ

Radio Erena: Wednesday, 06 September 2023

ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ምቅያር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን የካይዳ ምህላወን ተሓቢሩ።

ብፍላይ፣ ብሓደ ፕረዚደንት ንነዊሕ ዓመታት ዝተመርሓ ከም ካሜሮን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኡጋንዳን ርዋንዳን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ገሊኤን ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምቅይያር ክግበራ እንከለዋ፣ ገሊኤን ኣኼባታት ሓለፍቲ ጸጥታን ኣብ ምክያድ ይርከባ።

ንካሜሮን ንልዕሊ 42 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 90 ዓመት ፓል ቢያ፣ ኣብ ስልጣን ንዝጸንሑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምፍናው ብሓደሽቲ ክትእክኦም እንከሎ፣ ንርዋንዳ ን29 ዓመታት ዝመርሐ ፖል ካጋመ ብወገኑ፣ ንኣማኢት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብጥሮታ ብምፍናይ ብመንእሰያት መኮንናት ተኪእዎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ካጋመ ብጥሮታ ካብ ዘፋነዎም ሓያሎ ላዕለዎት መኮንናት፣  መቓልስቱ ነበር፣ ኣዘዝቲ ኣብ ሓለዋ ቤት መንግስቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፍሉያት ሓይልታትን ይርከብዎም።

እዞም ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጻናሕ፣ ምስ ቀዳሞት 10 ዝስርሑ መራሕቲ፣ ህጹጽ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ዘካይዱ ዘለዉ፣ ድሕር’ቲ ኣብ ጋቦን ን56 ዓመታት ዝጸንሐ ስልጣን ሓንቲ ስድራ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ምእላዩ’ዩ።

ኣብ 2010 ኣብ ማሊ ዝጀመረ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ናብ ጊኒ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀርን ጋቦንን ‘ዩ ልሒሙ።

እቲ ዕልዋ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ‘ውን ክጸልወን ስለዝኽእል፣ ከም ቻድ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ካልኦትን ምንቅሳቓስ ሰራዊትነ ብጥንቃቐ ኣብ ምክትታል ይርከባ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0