ኣብ ምርኢት ሳዋ ካብ ዝተሳተፋ ክልተ ሄሊኮፕተራት እታ ሓንቲ ብምውዳቃ፣ ክልተ ኣብረርታ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 09 August 2019

ኣብ መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ፣ ኣብ ምርኢት ካብ ዝተሳተፋ ክልተ ሄሊኮፕተራት፣ እታ ሓንቲ ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታን ሓደ ቴክኒሻንን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ህይወት ዝሓለፈ፣ ካፕቴን ንጉስ ናይዝጊ ምክትል ተለንተ ሙሴ ገብረህይወትን ዝተባህሉ ክልተ ኣብረርቲ፣ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ዝጸንሑ ምኩራት ኣብረርቲ’ዮም።

ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ፣ እቲ ሳልሳይ ናይ በረራ ቴክኒሻን ክኸውን እንከሎ እቲ ራብዓይ ድማ ኣባል ሓለዋ ፕረዚደንት ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መበል 25 ዓመት፣ ምምስራት ሳዋ፣ ሰለስተ ናይ ልምምድ ነፈርትን ክልተ ዝኣረጋ ሄሊኮፕተራትን ጥራት’የን ተሳቲፈን ዝበሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኤረና፣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብሰንኪ ስደትን ሞት ኣባላቱን ተዳኺሙ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2018 ክልተ ምኩራት ኣብረርቲ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1