ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ኣስታት 140 ቢልዮን ዶላር በጺሑ

Radio Erena: 01 October 2021

ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን ክካየድ ዝጸንሐ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ ናይ40% ዕብየት ከምዘርኣየ ተገሊጹ።

ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመተ 2021፣ ቻይናን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘካየድኦ ንግዳዊ ልውውጥ 139.1 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፣ እቲ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ብመልክዕ ልቓሕ፣ ወፍሪን ኣቑሑትን ዘእተወኦ’ዩ።

ቻይና፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ወፍሪ፣ ኣብዚ ዝቕጽል 10 ዓመታት ናብ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ንምዕባዩ ትሰርሕ ከምዘላ ብግሎባል ኮምፕልያንስ ዝተባህለ ኣብ ቁጠባ ዘተኩር ትካል ዝተዳለወ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ናይ ሰደድ ንግዲ ዘካይድ ዞባ ኤውሮጳ ክኸውን እንከሎ፣ 35% ይበጽሕ።

ቻይና ድማ ድማ 16% ናይቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝልኣኸ ንግዲ ትሽፍን።

ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝልእከኦ ነገራት ኣብ ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ህንዲ’ያ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0