‘ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣስታት 40 ሚልዮን ዶላር ተጠፋፊኡ።’ ሕ/ሃ

Radio Erena: 01 October 2021

ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ ካብ ካዝና ደቡብ ሱዳን፣ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዝተጠፋፍአ ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ወቒሱ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ንህዝባዊ ኣገልግሎታት ክውዕል ዝነበሮ ገንዘብ፣ ናብ ዘይተፈልጠ ሕሳባት ከምዝተሰጋገረ ጠቒሱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 39 ሚልዮን ዶላር ተጠፋፊኡ ዝበለ ሕቡራት ሃገራት፣ ዘጠፋፍኦ ኣካል ኣይነጸረነ።

እንተኾነ ደቡብ ሱዳን ግዳይ ኣህጉራዊ ናይ ጸለመ ዘመተ ትኸውን ኣላ ክብል መግንስቲ ተቓውምኡ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ደቡብ ሱዳን፣ ማርቲን ኤልያ ሎሙሮ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እዞም ኣህጉራውታን ትካላት፣ ንደቡብ ሱዳን ሓንሳእ ብምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ካልእ እዋን ድማ ብብልሽውና ካብ ምኽሳሳ ኣይዓርፉን’ዮም ኢሉ።

ካብ ሱዳን ተፈልያ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ መዓልታዊ ልዕሊ 150 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ናብ ሰደድ ትልእኽ።

ይኹን’ምበር፣ ዜጋታት እታ ሃገር ከም ስሩዕ ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ መጓዓዝያ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከምዘይረኽቡ ይፍለጥ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0