Radio Erena: 02 July 2019
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጽነዖ ሕጊ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ገና የሳቕዮም ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጣበቕቲ መሰላት ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ መንግስቲ’ታ ሃገር፣ ስደተኛታት ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ሓደ ሕምሲት ኣብ ባንኪ ክተሓዝ፣ ንእስራኤል ገዲፎም ክወጹ ኣብ ዝወሰኑሉ ጥራይ ክወሃቦም ክብል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017 ዘውጸኦ ሕጊ፣ ንኣሰጋገርቲ ዝያዳ ዕድል ዝኸፍትን፣ ንስደተኛታት ግዳያት ዝገብርን ሙዃኑ ኣብሪሆም።
ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ከምዝገለጾ፣ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ሕጊ ክስርዞ ጸዊዑ’ዩ።
ኣብቲ ጸብጻብ፣ ገለ እስራኤላውያን ኣስራሕቲ ነቲ ካብ ሰራሕተኛታት ዝውሰድ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ብስም ሰራሕተኛታቶም ኣብ ባንኪ ዘእትዉዎ፣ ንገዛእ ርእሶም ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ኣነጺሩ’ዩ።
እቲ ኣብ ዓንቀጽ 4 ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ፣ ስደተኛታት ካብ ኣታዊታቶም ተወሳኺ 16 ሚእታዊት ብመልክዕ ጥሮታ ክተሓዝ፣ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣብ ዝወሰኑሉ ጥራይ ከኣ ክወሃቦም ዝብል ይርከቦ።
ነዚ ሕጊ’ዚ ንምቅዋም፣ ተጣበቕቲ መሰላት’ታ ሃገር፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም እኳ እንተኾኑ፣ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ብዘይምርካቦም፣ ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ሸውሃቶም ዓጽዩዎ ከምዘሎ የመልክቱ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ካብዚ ሓደ ሕምሲት ወርሓዊ ደሞዝ ስደተኛታት ዝተዋህለለ፣ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ኣኪቡ ከምዘሎ የመልክት።
መንግስቲ እስራኤል ካብ 2009 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ንሸሞንተ ኤርትራውያንን ክልተ ሱዳናውያንን ጥራይ እዩ ናይ ዑቕባ መሰል ሂቡ ዘሎ።