‘’ኣብ ልዕሊ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ዝወርድ ስቓይ ይቕጽል ኣሎ’’ ተጣበቕቲ መሰላት

Radio Erena: 02 July 2019
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጽነዖ ሕጊ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ገና የሳቕዮም ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጣበቕቲ መሰላት ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ መንግስቲ’ታ ሃገር፣ ስደተኛታት ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ሓደ ሕምሲት ኣብ ባንኪ ክተሓዝ፣ ንእስራኤል ገዲፎም ክወጹ ኣብ ዝወሰኑሉ ጥራይ ክወሃቦም ክብል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017 ዘውጸኦ ሕጊ፣ ንኣሰጋገርቲ ዝያዳ ዕድል ዝኸፍትን፣ ንስደተኛታት ግዳያት ዝገብርን ሙዃኑ ኣብሪሆም።
ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ከምዝገለጾ፣ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ሕጊ ክስርዞ ጸዊዑ’ዩ።
ኣብቲ ጸብጻብ፣ ገለ እስራኤላውያን ኣስራሕቲ ነቲ ካብ ሰራሕተኛታት ዝውሰድ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ብስም ሰራሕተኛታቶም ኣብ ባንኪ ዘእትዉዎ፣ ንገዛእ ርእሶም ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ኣነጺሩ’ዩ።
እቲ ኣብ ዓንቀጽ 4 ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ፣ ስደተኛታት ካብ ኣታዊታቶም ተወሳኺ 16 ሚእታዊት ብመልክዕ ጥሮታ ክተሓዝ፣ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣብ ዝወሰኑሉ ጥራይ ከኣ ክወሃቦም ዝብል ይርከቦ።
ነዚ ሕጊ’ዚ ንምቅዋም፣ ተጣበቕቲ መሰላት’ታ ሃገር፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም እኳ እንተኾኑ፣ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ብዘይምርካቦም፣ ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ሸውሃቶም ዓጽዩዎ ከምዘሎ የመልክቱ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ካብዚ ሓደ ሕምሲት ወርሓዊ ደሞዝ ስደተኛታት ዝተዋህለለ፣ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ኣኪቡ ከምዘሎ የመልክት።
መንግስቲ እስራኤል ካብ 2009 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ንሸሞንተ ኤርትራውያንን ክልተ ሱዳናውያንን ጥራይ እዩ ናይ ዑቕባ መሰል ሂቡ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    ዝገርም እዩ እዚ ኹሉ ዓመታት ንስደተኛታት መሰል ዘይምሃብ ካብ ራሲስት ምሕደራ ዝተላዕለ ናይ ፖለቲካ ኣካይዳ ናይታ ሃገር እዩ። ወይ እስራኤል ረሲዖሞ ኣብ ፈቖዶ ዓለም ተበቲኖ ዝነበሩ ህዝቢታት ኔቶም ህዝቢ ዓኦአም ግን ብጀካ ዓረባውያን ኩሉ ዓለም ኢዱ ዘርጊሑ እዩ ኣዕቊብዎም ኔሩ። ሎሚ ንሳቶም ክብረት ህላወ ስደተኛታት ጊሂሶም ኣብ እስራኤል ንዝመጽዎም ሰባት ብዘይ ክብሪ የሳቕይዎም፡ ተወሳኺ ንዘይድልየቶም ሓደ ሕምሺት ካብ ደሚዞም ቆሪጾም ክንድዚ ገንዘብ ኣኪቦም፡ እብታይ ይባሃል፡ኣብክንዲ መሰል ስደተባ ምሕላውሲ ክትስጊግ ኮለኻ ዝኾነካ ኢልካ ዝግበር ይገርም፡እዩ ብሓቂ። ወይ ኤርትራዊ ትረኽቦ መከራ።

  • comment-avatar

    The problem is from Us must Have to fight aur dectator not Israeles
    I tinik 1/2 of aur people are spy for arabs and isaias they are infiltreted to confith the true refuges and the world!