ኣብ ልዕሊ ኔቭሰን፣ ኩባንያ ቢሻ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ክሲ ብሽምግልና ተዛዚሙ

Radio Erena: 11 October 2020

ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ካናዳ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን መስሪቶሞ ዝጸንሑ ክሲ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተበጽሐ ሽምግልና (Settlement) ከምዝተወድአ ሓይልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብቲ ኣብ ቢሻ ዘካይዶ ናይ ወርቂ ዕደና፣ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ዝመጽእዎ ኤርትራውያን መንእሰያ፣ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተኸሲስቱ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ካናዳ፣ ቫንኩቨር ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ፣ ኣብ መስርሕ ጸኒሑ።

ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ክትከታተሎ ዝጸንሐት ዳይረክተር ሓይልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ እቲ ንደልዮ ስለዝረኸብና፣ በቲ ናይ ሽምግልና ስምምዕ ሕጉሳትና ድሕሪ ምባል፣ ነቶም እዚ መስርሕ ክዕወት ንዝጸዓሩ ኩላቶም ኣመስጊና።

ወ/ሮ ኤልሳ ብዘይካ’ዚ፣ እዚ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝቐጸለ መስርሕ፣ ልዕሊ’ቲ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ካሕሳ፣ ዓመጽ ንዝፈጸሙ፣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ብሕግን ፍትሕን ከተረኻኽበሎም ከምዝኽእል ንህዝብና ዓቢ ትምህርቲ’ዩ ክትብል ኣስሚራትሉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Aregawi 4 years ago

    ደስ ዘብል ዜና

  • comment-avatar
    ደበሳይ ሃይለማርያም 4 years ago

    ናይ ገንዘብ ካሕሳ ንመን ኢዩ ክወሃብ፣ ነቶም ብነጻ ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ሃገራዊ ኣገልጉሎት ድዮም ክከሓሱ፣ ዝርዝሩ ከ እንታዩ፣  እቲ ሰብኣዊ ዓመጽከ ጠጠው ከብሉዎ ድዮም፣ 

  • comment-avatar
    yonas 4 years ago

    we did settlement? they get paid a lampsome of money? that is not good. they took money and tbe human right court file dumped to garbage. well, about 12-15 got compensated for thousands that worked for free and for years. its sad. some are still there forking for free.