Radio Erena: 25 November 2020

ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም፣ ብ’ህወሓት’ ይምወሉ ኔሮም ንዝበልዎም ተቓወምቲ ኤርትራ ይሃድኑ ምህላዎም ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ብመሰረት እቶም ምንጭታት ናብ ራድዮ ኤረና ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ እቶም ተቃወምቲ ኣካላት ብብዝሒ የዘውትርዎ’ዮም ናብ ዝተባህለ ከባቢታት እናተመላለሱ ምንቅስቓሳቶም ይከተታሉ ምህላዎም ኣረዲኦም።
እቶም ውድባት ከም ቤት ጽሕፈትን ካልእን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ሓያሎ ኣባይቲ’ውን ይከታተሉን፣ ንዝጸንሕዎም ሰባት ድማ ይሕዙን ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ዝበዝሑ ግዳያት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ሃድን፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ዓፈርን ኩናማን ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።
ይኹን’ምበር ስማት ይኩን መንነት ብሓይልታት ኢትይጵያ ጸጥታ ናይ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ከባቢ ሑመራ፣ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ኤርትራ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጠበናጁ ከምዝኣከበ ብወግዒ ገሊጹ’ዩ።
ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================
