ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ብ’ህወሓት’ ይሕገዙ ኔሮም ንዝበልዎም ተቓወምቲ ኤርትራ ይሃድኑ ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 25 November 2020

ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም፣ ብ’ህወሓት’ ይምወሉ ኔሮም ንዝበልዎም ተቓወምቲ ኤርትራ ይሃድኑ ምህላዎም ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ናብ ራድዮ ኤረና ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ እቶም ተቃወምቲ ኣካላት ብብዝሒ የዘውትርዎ’ዮም ናብ ዝተባህለ ከባቢታት እናተመላለሱ ምንቅስቓሳቶም ይከተታሉ ምህላዎም ኣረዲኦም።

እቶም ውድባት ከም ቤት ጽሕፈትን ካልእን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ሓያሎ ኣባይቲ’ውን ይከታተሉን፣ ንዝጸንሕዎም ሰባት ድማ ይሕዙን ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ዝበዝሑ ግዳያት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ሃድን፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ዓፈርን ኩናማን ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።

ይኹን’ምበር ስማት ይኩን መንነት ብሓይልታት ኢትይጵያ ጸጥታ ናይ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ከባቢ ሑመራ፣ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ኤርትራ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጠበናጁ ከምዝኣከበ ብወግዒ ገሊጹ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ደስ ዝብል ዜና’ዩ።
    እዞም ለሓስቲ ጻሕሊ ወያነ፡ ተቐፊዶም ኣብ ኢድና፡ ኢድ ሻዕብያ፡ ኣትዮም፡ ጽውኦም ክረኽቡ ምኽኣሎም ካባኹም ክሰምዕ ምብቅዐይ ሓጎሰይ ደረት የብሉን። ጌና ጌና፡ ንሻዕብያ ኣኾሪኻ ኣብዛ ከባብ ዓለም ቀሲነ ክነብር’የ ኢሉ ዝሓስብ ዓሻ ልቢ ዳጉሻ ጥራሕ’ዩ።

  • comment-avatar
    ተወልደ 3 years ago

    ጽቡቕ ገበርዎም

  • comment-avatar
    wedinakfa 3 years ago

    Fantastic news time they pay the price!!! they have been trading by Eritreans blood now time they pay with their own drily bold!!!!ASEY ilelelelelel lets sing hiji do yihaysh? zengi sewura newah iya just watch.