ኣስመራ፣ ብኩፖን ዝዕድል ዝነበረ ክልተ ባኒ ናብ ሓደ ወሪዱ

Radio Erena: 17 July 2019

ኣስመራ፣ ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ዋጋኡ ተረጋጊኡ ዝጸንሐ ባኒ እናተሳእነ ይመጽእ ኣሎ።

መንግስቲ፣ ብኩፖን ንሓደ ሰብ ክልተ ባኒ ክዕደል እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ስእነት፣ ናብ ሓደ ኣውሪድዎ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ፣ ዋጋ ሓንቲ ባኒ ብኩፖን ሓደ ናቕፋን ዕስራን ሓሙሽተን ሳንቶምን (1.25 ናቕፋ) ዝነበረ ናብ ሓደ ናቕፋን ሓምሳ ሳንቲምን (1.50 ናቕፋ) ምድያቡ፣ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ጠንዊ ናይዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ፣ ወነንቲ ትካላት ሕብስቲ፣ ብንግዳዊ ትካል ህግደፍ ክዕደለን ዝጸንሐ ፊኖ ብፍርቂ ብምጉዳሉ’ዩ ተባሂሉ።

ዋጋታት ከም ባኒን ፓስታን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታትን ናይ ህንጻ ኣቑሑትን፣ ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረጋጊኡ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ዶባት ደጊሙ ድሕሪ ምዕጻዉ ዋጋታት ናብ ዝነበሮ ክምለሰን፣ ኣብ ዕዳጋ ድማ ክሰኣንን ይርአ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Hasewti 5 years ago

    Ala nsikum hasit bes derarkum koynu