ኣስመራ፣ ቤት ትምህርቲ እንዳማርያም ንምህጋር ብመንግስቲ ንዝተወስደ ስጉምቲ ዝተቓወመ ዳይረክተር ተኣሲሩ

Radio Erena: 22 April 2019

መንግስቲ፣ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ንዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህጋር፣ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ዝተቓወመ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም መምህር ምሕረትኣብ ከምዝተኣሰረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብኮሚተ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ተመሪጹ፣ ዳይረክተር እታ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ መምህር ምሕረትኣብ፣ ብ19 ሚያዝያ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣስረ ዝረጋገጽ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ፣ ነታ ብህዝቢ ዝተመርጸት ናይ እንዳማርያም ኮሚተ ብምፍራስ፣ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝላእኩ ሓደስቲ ኮሚተን ዳይረክተርን ምምዳቡ’ዩ።

እንተኾነ፣ መምህር ምሕረትኣብ፣ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ከምዘይኮነን፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሐ ገንዘብ ይኹን ካልእ ንብረትን ናይታ ቤት ትምህርቲ ድማ፣ ነታ ብህዝቢ ዝተመርጸት ኮሚተ ብምሕባር፣ ነታ ቤት ክርስትያን ደኣ’ምበር ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዘየረክብ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ ተኣሲሩ።

ብእንዳማርያም እትፍለጥ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርሪ ቅድስተ ማርያም፣ ብተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ‘ያ ክትመሓደር ጸኒሓ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ፣ ንድያእ ኣልስላምያ፣ ካቴድራል፣ ቅድስቲ ማርያምን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውያን ትካላትን ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ብግዴታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ብዝወስዶ ተበግሶ፣ ተማሃሮ ኣኽርያ፣ ዲያእ ኣልእስላሚያ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ድሕሪ’ቲ ተቓውሞ፣ ሓያሎ ተማሃሮ፣ ወለዲን መማህራንን ክእሰሩ እንከለዉ፣ ምስቲ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ክልተ ኣቦታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ ነዘን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመሓደራ ዝጸንሓ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ዝርከባ ኣብያተ ሕክምናን ክሊኒካትን’ውን ከምዝሃገረን ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    filipos 5 years ago

    when the regime is failed,try to close non govermenral organizations,so pfdj(hgdef)can’t stay long in Eritrea.

    • comment-avatar

      No one read your broken English. So you better don’t waste your time. Go and line up for your welfare.

  • comment-avatar
    Daraka. Mahmoud 5 years ago

    It’s very sad. Eritrean without any discrimination should unite and show strong protest against such illegal transgression.  I stand hand in hand with my Tewahdo  brothers and sisters ask the release of the director of the school Memhir Mehreteab and other detainees: