ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ፣ ሃና ስምኦን ደሃያ ጠፊኡ

Radio Erena: 01 August 2019

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ፣ ሃና ስምኦን፣ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ድሕሪ ዝቐረበላ ጻውዒት፣ ደሃያ ጠፊኡ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ኤረና ኣፍሊጦም።

እታ ኣምባሳደር፣ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሰት ዝገልጹ ወገናት እኳ እንተለዉ፣ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ካልኦት ብኣንጻሩ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ከምዝኾብለለት ይጠቕሱ።

እታ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምድጋፍ፣ ኣብ ኤውሮጳ ቅድመ-ግንባር ተሰሊፋ ዝጸንሐት ኣምባሳደር፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዑስማን ሳልሕ ብምስናይ ናብ ፈረንሳ ይመላለስ ምስ ዝነበረ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘይምስምማዕ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝግለጽ።

እታ ኣምባሳደር፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ፣ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምዃን፣ “ተደሚርና” ኣብ ዝብል ምሸት ሓቢራቶም ከምዝምሰየት ይፍለጥ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ፣ ብዛዕባ’ቲ፣ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪን ገዘፍቲ ወፍርታትን ዘጠቓለለ ስምምዓት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ክጽመድ እንከሎ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስን ምሕያል ዝምድናታት ምስ ፈረንሳ ዛሕቲሉ’ዩ ዝርከብ።
=============

COMMENTS

WORDPRESS: 5
  • comment-avatar
    Tekle Haile 5 years ago

    ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ስጋብ ትማሊ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖሊቲካ እሱራት የብልናን ትብልን ብዛዕባ እዚ ኹሉ ሽግር ኤርትራዊ ትኽሕድ ኔራ ሕጂ
    ድኣ ናበይ ዘልሓጥሓት ኪዲ ድኣ በልዋ ሕጂዶ ይሓይሽ ሕብኡኒ ሕብ ኡኒ ዳስ ሓውያ ዝኣቱ እምበር ዝወጽእ ነይረኤና ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ

  • comment-avatar

    ንደሞዝን ናይ ኣምባሳደርነት ስምን ክትብል ዶ ድኣ ኣብ ካርሸሊ ክትበሊ ኮይና። ብኻልእ ኣበሃህላ ሓሲኻ ደሞዝ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ ከም ናታ ሪኢቶ ንዘለዎ ሰብ፡ ንደሞዝ ክትብል ሂወትካ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ግን ክንደየናይ።

  • comment-avatar
    Seare Neteberkti 5 years ago

    You guys are stupid and evil no credible information comes form your media. You will get your price

  • comment-avatar
    ሜላ ተኪኤ 5 years ago

    ዝተፈላለዩ ሰባት ግን ኣስመራ ሪእናያ ይብሉ ኣለዉ

  • comment-avatar

    ናይ ፖለቲካ ኡሱራት ኣለውና አኮ!
    አቲ ንስርዓት ህግደፍ ገዲፋ ኰብሊላ ዝብል ወረ ጽቡቕ ወረ ኢዩ። አንተዀነ ካብ ማአሰርቲ ክትደሕን መታን ናብ ኤርትራ ዘይምምላሳን ኰብሊላን ዝብል ወረ ግናይጥዑምን፣ ምኽንያቱ ናይ ፖለቲካ ኡሱራት ከም ዘለዉ አንተትርኢ ምሓሸ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ናይ ዓይኒ ምስክር ኩይና ነተን ተኣሲረን ዘለዋ ኣሕዋታ ምመስከረት ነይራ። ብዓል ምርያም ሓጎስ፣ ኣስቴር ፍስሓጽዮን ሰናይት ደበሳይ ኣበይ ከምዘለዋ ደሃይ ምሃበት ይመስለኒ።
    ዠይፈተነ ይውለድ አንድዩ”ሞ ኩሉ ምራይን ምፍትንሲ መድለያ። ሕማቕ ኣይምነየላን ግናኸ ምር ኣይን ምምስካርን ጽቡቕ ኢዩ።