ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት ክልከላታት ኣልዒላ

Radio Erena: Monday, 03 July 2023

መንግስቲ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ግጭት ናብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ናይ ኢኮኖምያውን ጸጥታውን ሓገዛት ክልከላ ከፋኹሶ ምውሳኑ ተገሊጹ።

ኣፈኛ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ብ ዓርቢ 30 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንስስምዕ ፕሪቶርያ ተኸቲሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝነበሮ ተሰታፍነት ከም ዘመሓየሸ ብምምልካት፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ውሱን ኢኮኖምያውን ካልእን ገደባት ከተልዕል ከምዝወሰነት ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ጸኒዑ ዘሎ ናይ መግቢ ረዲኤት ደው ናይ ምባል ምባል ውሳነ ክቕጽል ምዃኑ ግን ኣይሓብአን።

ንሱ፣ ኣሜሪካ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንኽመጽእ ዘለዋ ደገፍ ንምርኣይ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሽርክነታዊ ምድግጋፍ ክቕጽል ምግባሩ፣ እታ ሃገር ንእተካይዶ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ክድርዕ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

እንተኾነ ብዙሓት ወገናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን፡ ብማዕከናት ዜና ኣቓልቦ ዝተነፍጎ ከቢድ ሰብኣዊ ጥሕሰታት እናካየደ፡ ኣመሪካ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዘጽንዓቶ ገደብ ከተልዕል ከም ዘይግባእ ርእይቶታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0